ኢትዮጵያ ፍልፍል ዝሕደስ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ – ሚኒስቴር ገንዘብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ብሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ትኩረት ኣብ ዝተውሃቦ ዘፈር ኢነርጂ ኢትዮጵያ ፍልፍል ዝሕደስ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።

ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን፥ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሽዱሽተ ወርሒ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ብሚኒስቴር ገንዘብን ምምሕዳርን ትሕዝቶን ትካላት ልምዓት መንግስቲን ተገምጊሞም፡፡

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ መንግስቲ ኣብ ዘፈር ሓይሊ ልዑል ትኹረት ዝሃበ ስለዝኾነ ብጥንቃቐ ዝከታተሎን ዝምራሕን ዓውዲ ኢዩ፡፡

ኣብ ዘፈር ምፍልፋልን ምዝርጋሕን ሓይሊ ዘሎ ስራሕቲ ሪፎርም ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግበኦን ኣመራርሓንኣፈፃፅማን ፕሮጀክት እቲ ዓውዲ ትኹረት ክወሃቦ ከምዝግባእ እቶም ሚኒስትር ኣመልኪቶም፡፡

ብወገን ክልቲኦም ትካላት ካብ ዓማዊል ዘይተኣከበ ገንዘብ ብእዋኑ ንኽእከብ ብፍላይ ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዝተለኣኸ ሓይሊ ዘይተኣከበ ገንዘብ ተኸታቲልካ ኣታዊ ምግባር ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ምቁፅፃር ብኽነትን ምቁርራፅን ሓይሊ፣ ኣብ ምንካይ ወፃኢ ተግባራዊ ምግባር፣ ኣብ ክልላት እናተገበረ ዝርከብ ዘይተማእኸለ ምሕደራ እቲ ዓውዲ ኣጠናኺርካ ምቕፃል ኣድላዪ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፥ ሚኒስቴር ገንዘብ እውን ነተን ትካላት ምስ መሓዙት ልምዓት ብምትሕብባር ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝህብ ምርግጋፆም ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment