ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣፍሪካ ንምትእንጋድ ዘለዋ ድልየት ንምፍፃም ዝሕግዝ ፍኖተ ካርታ ተሰናዲኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣፍሪካ ንምትእንጋድ ዘለዋ ድልየት ንምፍፃም ዝሕግዝ ፍኖተ ካርታ ከምዝተሰናድአ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርቲን ቀጄላ መርዳሳ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ገምጋም ኣፈፃፅማ 100 መዓልታት እዚ በጀት ዓመት ተሳሊጡ።

ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ፥ መንግስቲ ብመሰረት ዝሃቦ ኣንፈት ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣፍሪካ ንምትእንጋድ ዘለዋ ድልየት ንምፍፃም ዝሕግዝ ፍኖተ ካርታ ተሰናዲኡ ኢሎም።

እቲ ውድድር ንምትእንጋድ ዘድሊዩ መሰረተ ልምዓታትን ኢትዮጵያ ቅድመ ሐዚ ፅዋዕ ኣፍሪካ በምትእንጋድ ዘለዋ ልምዲን ምክታቶም ተዛሪቦም።

ብምኽኒያት ምስትኽኻል ዋጋ ደንጒዩ ዝነበረ ብሄራዊ ስታዲየም ፀገሙ ተፈቲሑ ዝተረፎ ህንፀት መለክዒ ካፍ ብዘማለአ መገዲ ይካየድ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment