ኢትዮጵያ ፀገም ክሌማዊ ለውጢ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ተግባራዊ ምላሽ ምሃብ ይግባእ ኢላ ኣምን – ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ፀገም ክሌማዊ ለውጢ ንምትዕርራይን ብዘላቕነት ንምፍታሕን ተግባራዊ ምላሽ ምሃብ ይግባእ ኢላ ኣምን” ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር እዚ ዝበሉ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ወለንታ ዝተመርኮሰ ትግበራ ትልሚ ክሌማዊ ለውጢ ብዕሊ ኣብ ዘጀመሩሉ እዋን ኢዩ።

ኢትዮጵያ ጉዳይ ክሌማዊ ለውጢ ሓደ ዛዕባ ልምዓት ብምግባር እናሰርሐት ከምትርከብ ብምግላፅ፤ “ኢትዮጵያ ኣብ ምላሽ ክሌማዊ ለውጢ ካብ ሃገር ሓሊፋ ጎረባብቲ ሃገራት እውን ተረባሕቲ ዝገብር ስራሕ ኣብ ምትግባር ትርከብ” ኢሎም፡፡

ብክሌማዊ ለውጢ ዘይናጋዕ ኢኮኖሚ ንምህናፅን ኣጠዓዒምካ ንምኻን በቢብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓ ብትኹረትን ብሓላፊነትን ክሰርሕ ከምዘለዎ እውን ኣገንዚቦም።

ትልሚታት ጋህዲ ንምግባር ዝወፅኡ ሕጊታትን ፖሊሲታትን ናብ ተግባር ምልዋጥ፣ ፈንድ ምትእልላሽን ውፅኢት ገምጊምካ ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ጋህዲ ምግባርን ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ፕላንና ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ብግደአን÷ እዚ ትግበራ ናይ መፃኢት ኢትዮጵያ ንምሕንፃፅ ዕዙዝ ብፅሒት ከምዘለዎ ገሊፀን።

ኣብቲ መድረኽ ኢትዮጵያ ኣብ ንብረት ኣየር ዘለዋ መልክዕን ብዝፍጠሩ ፀገማት ተቓላዕነታ ክንደይ ዝኣክል ከምዝኾነን፣ እዚ ንምክልኻል እናተግበረቶም ዝርከቡ ስራሕቲን ዘርእዩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም።

ኣብ መርሃ ግብሪ መጀመሪ እቲ ትግበራ ትልሚ ኣምባሳደራተ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ሚኒስትራት፣ ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ትካልት ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ከምኡ እውን ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ ተረኺቦም።

ብፍሬህይወት ሰፊው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment