ኢትዮጵያ ፀላእታ ስዒራ ጎብለልን ተምሳሌትን ኣፍሪካ ክትከውን ኢያ – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ፀላእታ ስዒራ ጎብለልን ተምሳሌትን ኣፍሪካ ክትከውን ኢያ” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝተበገሱ ሰባት ህይቶም ገቢሮም ንኢትዮጵያ ዘፍርሱ እንተኾይኖም ህይወትና ገቢርና ንኢትዮጵያ ክነድሕና ኢና ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣበይ ኣሎ ዝብሉ ሰባት “ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ጀልባ እቲ ቃልሲ ኢዩ ዘሎ፤ ኣብ ሞንጎ ሕድሕድ ማዕበል ኢዩ ዘሎ፤ ህዝቡ፣ ሰራዊቱ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ደቂ ኣንስትዮን ኩሉን ኣተሓባቢሩ ናፃ ዝተረከባ ሃገር ንወለዶ ናፃ ሃገር ከረክብ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተለዓሉ በዚ ኣቲኹም በዚ ውፅኡ ዝብሉ ሓይሊታት ብዝተሓባበረ ቅልፅም ኢትዮጵያውያን ከምዝሰዓሩ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝተሓባበረ ሓይሊ፣ ኢትዮጵያ ንምውሓጥ ዝተለዓለ ገበል ብርሕቐት ዘይኮነስ ብቐረባ ተዋጊእኻ ከምዝፈርስ፤ ብኣንፃሩ አትዮጵያ ለምሊማን ባንዲራኣ ልዕል ኢሉ ዝረአየሉ እዋን ከምዝመፅእ ኣፍሊጦም።

“አዚዩ ዝተሓዋሰ ፈተና የሃልወና እምበር እቲ ማዕበል ዘኽፍሎ ዋጋ ከፊልና ኢትዮጵያ ናብ ዝግበኣ ሰላምን ምዕባለን ክነሰጋግራ ኢና” ክብሉ ገሊፆም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment