ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ኢትዮጵያ ኣብ ዉሽጢ ብዙሕ ፈተናታት ብምዃን መዕባለኣ ደዉ ከየበለት ጥንኩር መሰረት ዝወነነ ማክሮ ኢኮኖሚ ምህናፅ ዝኸኣለት ሃገር ምዃና ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን።
እተን ሚኒስትር ዴኤታ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ ሎሚ መዓልቲ ኣብዝሃብኦ መግለፂ፥ ኢትዮጵያ ዘመዝገበቶ 7 ነጥቢ 9 ዕብየት ኢኮኖሚ ኣብ ስሉጥ ምዕባለ ከምዘላ ዘርኢ እዩ ኢለን።
ከምኡውን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ኢትዮጵያ ኣብ ዉሽጢ ብዙሕ ፈተናታት ብምዃን መዕባለኣ ደዉ ከየበለት ጥንኩር መሰረት ዝወነነ ማክሮ ኢኮኖሚ ምህናፅ ዝኸኣለት ሃገር ምዃና ገሊፀን።
ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ኣፈፃፅማ ዓውዲታት ማክሮ ኢኮኖሚን ካልኦት ዓዉድታትን ዘተ ከምዝተኻየደ ብምግላፅ፥ ንዓዉዲ ማክሮ ኢኮኖሚ ልዑል ኣበርክቶ ካብ ዘወፈዩ ዓዉድታት ሓደ ዓዉዲ ግብርና ከምዝኾነ ገሊፀን።
ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ካብ ቀንዲ ቀንዲ ዝራእቲ 513 ሚሊየን ኩንታል ንምእካብ ተተሊሙ 506 ሚሊየን ኩንታል ምእካብ ተኻኢሉ እዩ ኢለን።
ብመሰረት እዚ 98 ሚኢታዊ ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ፥ እቲ ኣፈፃፅማ ምስ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ብዙሕ ኣፈላላይ ከምዘሎ ተዛሪበን።
ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 393 ሚሊየን ኩንታል ከምዝተኣከበ ኣዘኻኺረን።
ሆርቲካልቸር ብዝምልከት ልዑል ኣድህቦ ተዋሂብዋ ክስረሐሉ ከምዝፀንሐ ብምዝራብ፥ ዝሓለፈ ዓመት 122 ሚሊየን ኩንታል ተኣኪቡ ዝነበረ እንትኾን ሎሚዘበን ናብ 340 ሚሊየን ኩንታል ክብ ክብል ኪኢሉ እዩ ኢለን።
ልምዓት መስኖ ብተመሳሳሊ፥ ዝሓለፈ ዓመት 47 ሚሊየን ኩንታል ምእካቡ ተዛሪበን።
ሎሚ ዘበን ድማ ናብ 106 ሚሊየን ኩንታል ክዓቢ ምኽኣሉ ኣብሪሀን።
እዚ ድማ ሃገራዊ ጠመተ ኣብ መስሳን ምህርቲ ብስፍሓት ምስራሕ ከምዝተኽኣለን ኣብ ተረባሕነት ሃፍትቲ ተፈጥሮ ጠመተ ምግባሩን እወንታዊ ዉፅኢት የረጋግፅ ከምዘሎ ዘርእይ ኢዩ ኢለን።
ብፌቨን ቢሻው