ኢትዮጵያ ጂቡቲን ብሎጂስቲክስ ኣየር-ባሕሪ ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕነት ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየራት ኢትዮጵያን ጂቡቲን፣ በዓል መዚ ዓለም ለኸ ናፃ ቀጠና ጅቡቲን በዓል መዚ ወደብንከምኡ እውን ኣገልግሎት ወደብ ደረቕ ፅዕነት ዶራሌ ኣብ ሎጂስቲክስ ኣየር-ባሕሪ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምንባር ክታም ምክትል ሓላፊ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ኣምባሳደር መሓመድ ሓሰንን ኣቦ መንበር በዓል መዚ ናፃ ቀጠናን ወደብን ኣቡበከር ኦማር ሃዲ ተረኺቦም።

ኣብቲ ዓውዲ ዝተፈረመ ስምምዕነት ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ዞባዊ ምትእስሳሩ ብዝበለፀ ኣብ ኣየር መሬትን ባሕሪን ብምቅልጣፍ ዘተናኽር ኢዩ ዝብል ትፀቢት ኣሎ፡፡

ብኣየር-ባሕሪ ዝወሃብ ኣገልግሎት ፅዕነት ብባሕሪ ጥራሕ ካብ ዝወሃብ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ብክልተ ዕፅ ዝተሳለጠን ብኣየር ካብ ዝወሃብ ኣገልግሎት ፅዕነት እውን ክፍሊቱ ብክልተ ዕፅፊ ከምዝንእስ ተሓቢሩ።

እቲ ናይ ሕዚ ስምምዕነት ኣገልግሎት ኣብ ዘፈር ወደብን ትራንስፖርትን ልዑል ዝላን ከስቢን ንኽህሉ ዝሕግዝ ከምዝኾ ተገሊፁ፡፡

ምጅማር እቲ ኣገልግሎት ብፍላይ ካብ ቻይና ናብ ኣፍሪካ ዝሳገር ፍርያትን ሸቐጥን ብኣገልግሎት ፅዕነት ኣየር-ባሕሪ ብምትሕሓዝ ካብ ጂቡቲ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ካርጎ ንመሃብ ከምዘኽእል ተኣሚኑሉ ኢዩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment