ኢትዮጵያ ድኽነት ንምጥፋእ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ቻይና ኣብጎና ደው ከምትብል ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኢትዮጵያ ድኽነት ንምጥፋእን ጎደና ዕቤታ ንምዕትን ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ቻይና ኩልግዘ ኣብጎና ደው ከምትብል ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን እዚ ዝበሉ መበል 50 ዓመት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣመልኪቱ ኣብ ዝተሳለጠ ኮንፈረንስ ቪዲዮ ኢዩ፡፡

እቲ ዘተ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘለወን ታሪኻዊ ጉዳያትን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለወን ዲፕሎማሲያዊ ርክብን ዘተኮረ ከምዝነበረ ተገሊፁ፡፡

“ንርክብ ኣፍሪካ ቻይና ኩለመደይ ሞዴል ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ኢት-ቻይና ብዝብልን ምትሕብባር ደቡብ ንደቡብን” ብዝብል መሪሕ ቓል ዝተኻየደ ዘተ ኢዩ፡፡

ኢንቨስትመንት ቻይና ኣብ ቀሊል ባቡር ኣዲስ ኣበባ፣ ኢንዱስትሪ ፓርክታት፣ ፓርክታት መስሕብ ቱሪዝም ኣብ ሳትላይት ቴክኖሎጂ ዝገበሩዎ ምትሕብባር ርክቦም እናዓበየ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ምትሕብባር ንግዲን ኢኮኖሚን ከምዘለወን ኣብቲ እዋን ዘተ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ዘተ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ሚነሰትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ብግደኦም፥ ኩባኒያታት ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም እንተፍሲሶም ክረኽቡዎ ዝኽእሉ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ኣብሪሆም፡፡

ምክትል ፕሬዚዳንት ልምዓት ቻይና ኣፍሪካን ፕሬዚዳንት ግሩፕ ሁጅያን፥ ቻይናውያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ተዋፊሮም ዘጋጠሞም ልምዲ ኣካፊሎም፡፡

ኣማባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ኣይተ ተሸመ ቶጋን ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣኦ ዚሃዩዋን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ሓበራዊ ምክብባርን ኣብ ናይ ሓበር ረብሓን ዝተመርኮዘ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment