ኢትዮጵያ ዞባዊ ፎረም ሚኒስትራት ፍልሰት ሰራሕተኛታት ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ካብ ኬንያ ተረኪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዞባዊ ፎረም ሚኒስትራት ፍልሰት ሰራሕተኛታት ንዝቕፅሉ ክልተ ዓመታት ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ካብ ኬንያ ከምዝተረከበት ተገሊፁ።

ምሕደራ ፍልሰት ሰራሕተኛታት ብምምሕያሽ ዞባዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር ምስ ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ውሕስናን ኬንያ ሲሞን ቼሉጉዊ ሃናፂ ልዝብ ከምዝገበራ ሚኒስትር ፈጠራ ዕድል ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ገሊፀን፡፡

ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብኬንያ እናተመርሐ ዝነበረ 11 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝሳተፋሉ ዞባዊ ፎረም ሚኒስትራት ፍልሰት ሰራሕተኛታት፥ ብዙሓት ተግባራት እናካየደ ምፅንሑ እተን ሚኒስትር ኣብ ማሕራዊ ምትእስሳር ገፀን ገሊፀን።

ብምዃኑ ግደ መሪሕነት ንዝተፃወተት ኬንያን ኣባል ሃገራት እቲ ፎረምን ምስጋና ከምዝግባእ ኣብሪሀን፡፡

ኢትዮጵያ እውን ዝተውሃባ ግደ መሪሕነት ዞባዊ ምትእስሳሩ ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ለውጢ ንምምፃእን ከምርሰርሕ ገሊፀን፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment