ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ዞባዊ ሰላም ንምርግጋፅን ብምሕዝነት ዝተጣየሸ ልምዓት ንምጉልባትን ኩለ መዳይ ስራሕቲ እናሰርሐት ምዃና ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እንድሪስ ገሊፆም፡፡
እቶም ሚኒስትር ምስ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣኒል ኩማር ኣብ ኣተገባብራ ስርዓት ፌዴራሊዝም፣ ኣብ ምምሕዳር ጎንፂን ጉዳይ ኣተሓሕዛ ብዙሃነትን ዘትዮም፡፡
ህንዲ ከም ኢትዮጵያ ብዝሃ ማንነት ዘለዋ ሃገር ምዃና ብምሕባር÷ ኣብ ምምሕዳር ጎንፂ፣ ስርዓት ፌዴራሊዝምን ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ብዝሃነትን ኢትዮጵያ ካብ ህንዲ ብዙሕ ልምዲታት ክትወስድ እያ ኢሎም፡፡
ከም ሃገር ዘለዉ ፀገማት ብዘተን ምምኽኻርን ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ኣብ ምርድዳእ ንምብፃሕ ሃገራዊ ዘተ እናተኻየደ ምዃኑ ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ዞባዊ ሰላም ንምርግጋፅን ኣብ ምሕዝነት ዝተደረኸ መሰረተ ልምዓት ንምጉልባትን ኩለ መዳይ ስራሕቲ እናሰርሐት ከምትርከብ እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም፡፡
ኣምባሳደር ህንዲ ኣኒል ኩማር÷ ኢትዮጵያ በቢእዋኑ ዘጋጥሙዋ ዘለው ፀገማት እትፈትሐሉ መገዲን ሓዱሽ ፖለቲካዊ ባህሊ ንምህናፅ እተኻይዶ ምንቅስቓሳትን ምንኣዶም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ርክብ ኢትዮጵያን ህንድን ነዊሕ ዘመናት ዘቑፀረ ምዃኑ ብምሕባር÷ ኣብ ቀፃሊ ኣተገባብራ ስርዓት ፌዴራሊዝም፣ ምምሕዳር ጎንፂን ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ብዝሃነትን ብምትሕብባር ከምትሰርሕ ኣረጋገጊፆም፡፡