ኢትዮጵያ ዝድህሰሱ ሓድጊታት ኣብ ዩኔስኮ ብምምዝጋብ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ 11 ዝድህሰሱ ሓድጊታት ኣብ ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን ውድብ ሕራት መንግስታት (ዩኔስኮ) ብምምዝጋብ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ኮይና።

ኢትዮጵያ ኣብ መበል 45 ጉባኤ ሓድጊ ዓለም ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌን ባህላዊ ኣቀማምጣ መሬት ጌዴኦን ኣብ ዩኔስኮ ክተመዝግብ ምኽኣላ ስዒቡ ኢዩ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ክትከውን ክኢላ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዩኔስኮ ዘመዝገበቶም ዘይድህሰሱ ሓድጊታት ቁፅሮም 11 በፂሑ፡፡

ካብ ኢትዮጵያ ቀፂላ ደቡብ ኣፍሪካ 10፣ ቱኒዚያን ሞሮኮን ሕድሕደን 9 ዘይድህሰሱ ሓድጊታት ከምዘመዝገባ ካብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ዘመዝገበቶም ዝድህሰሱ ሓድጊታት ዝርዝር ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-

  1. ሓወልቲታት ኣኽሱም
  2. ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ሰሜን
  3. ቀፅሪታት ፋሲልን ካልኦት ሓወልቲታት ጎንደር
  4. ውቕር ኣብያተ ቤተክርስትያን ላሊበላ
  5. ታሕተዋይ ሓጓፍ ሽንጥሮ ኣዋሽ
  6. ትኹት ኣእማን ጢያ
  7. ኣርኪኦሎጂ ቦታ ታሕተዋይ ሓጓ ሽንጥሮ ኦሞ
  8. ጥንታዊ ከተማ ጁገል ሃረር
  9. መልክዓ ምድሪ ኮንሶ
  10. ባህላዊ መልክዓ ምድሪ ጌዴኦ
  11. ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment