ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ፈተና ብብልሓትን ሓድነትን ምሕላፍ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣  29 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ምኽባር ሰላም መሰረታዊ  ማእኸል መሰልጠኒ ወታደርነት ኮንቲጀንት ሁርሶ ዝሰልጠኑ ምልምል ኣባላት ኣመሪቑ።

ኣብ ስነ ሰርዓት እቲ ምረቓ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንኢትዮጵያ ዝፀልእን ንባዕሉ ዝፎትን ጉጅለ ኢዩ ኢሎም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንኢትዮጵያ ዓንቀር ኮይንዋ ኢዩ እውን ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር።

ኢትዮጵያ ኣብ ፈተና ከምዘላ ብምግላፅ እቲ ፈተና ብብልሓትን ሓድነትን ምሕላፍ ይግባእ ኢሎም።

ነዚ ድማ ቁርፀኝነት ከምዘድሊ ኣፅንኦት ሂቦም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢትዮጵያ ንምፍራስን ሓድነታ ንምብታንን ዝሰርሕ ዘሎ እኳ እንተኾነ ብተቓራኒ ኢትዮጵያ ዳግማይ ሓንቲ ንክትከውን ገይርናያ ኢና ኢሎም።

ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ምክልኻል ፌዴሪኢ ጄኔራል ብርሀኑ ጁላ ብግደኦም፥ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ቁርፂ ዕለት ውላድ ሎሚ መዓልቲ ስልጢንኩም ብምምራቕኩም እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንፀላለወ ፈተና ኣለናልኪ ንምባል ደው ብምባልኩም ነመስግን ኢሎም።

እቶም ተመረቕቲ ናይ ኢትዮጵያ ፀላኢ ዝኾነ ህወሓት ንምምካት ብምሕዋሶም ኣዝየ የመስግን ክብሉ ገሊፆም።

እቲ ቤት ትምህርቲ ምልምል ኣባላት ሰራዊት ብመሰረታዊ ወታደርነት እንተመርቕ ንመበል ሳልሳይ ግዚኡ ኢዩ።

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ተውፃእፂኦም ብምስልጣን ሎሚ ዝምረቑ ምልምል ኣባላት ኣብ ፃንሒቶም ዘመናዊ ክልሰሓሳብ ብተግባር ዝተደገፈ ወታደራዊ ናይ ሙያ ትምህርቲ ዝተኸታተሉ ኢዮም ተባሂሉ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment