ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ፀገም ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ተዋፂኣ ጉዕዞ ብራኸኣ ጀሚራ ኣላ – ኣምባሳደር ሩሲያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ፀገም ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ተዋፂኣ ጉዕዞ ብራኸ ከምዝጀመረት ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢብጀኒ ተረኺን ገሊፆም።

ኣብ ቀረባ እዋን ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘሕለፎ ውሳነ ብዝምልከት፥ ሓደሓደ ሃገራት ዓለም ለኸ ትካላት ሽፋን ብምግባር ሕቡእ ፖለቲካዊ ዛዕበአን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንምፅዓንዝገብረኦ ምንቅስቓስ ሩሲያ ኣጥቢቓ ከምትቃወም ኣመልኪቶም፡፡

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈፀሙ ስምምዓት ውፅኢታዊ ንምግባር ዘኽእሉ ተግባራት እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ዝሓበሩ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ሃገሮም ኣብ ቀፃሊ ጉዕዞ ኢትዮጵያ ወሰንቲ ዝኾኑ ሓገዛት ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ቃል ኣቲዮም፡፡

መሪሕ ፓርቲ ሩሲያ መበል 20 ዓመት በዓሉ ኣብ ማእኸል ሳይንስን ባህሊን ፑሽኪን ዘኽረ እንትኸውን፥ ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ብወንደሰን ኣረጋኸኝ

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment