ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ኣዲስ ኣበባን ሪያድን ዝካየድ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ንምክልኻል ምስ ስዑድ ዓረብ ብምትሕብባር ከምትሰርሕ ገሊፃ፡፡
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዑድ ዓረብ ዋሊድ ቢን ኣብዱልከሪም ኤልኬሬጂ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያትን ዘትዮም፡፡
ኣብ ዘትኦም ድማ÷ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ርክበን ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡
ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)÷ ኣብ ጉዳይ ጎንፂ ሱዳን ኢትዮጵያ ዘይሻራዊ ቕዋም ከምዘለዋ ኣረዲኦም፡፡
ከም ጎረቤትን ፈታዊትን ሃገር ኣብ ሱዳን ዝፍጠር ጎንፂ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝግበር ፃዕሪ ከምትሕግዝ ኣረጋጊፆም፡፡
ዋሊድ ቢን ኣብዱልከሪም ኤልኬሬጂ ብወገኖም÷ ሪያድ ጎንፂ ሱዳን መወዳእታ ንክረክብ እቲ ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ከምትሰርሕ ገሊፆም፡፡
ብተመሳሳሊ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ አምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ስዑድ ዓረብ መዘነኦም ምትእስሳር ኢኮኖሚ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝጠናኸረሉ መገዲ፣ ዘይሕ