ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሃገራዊ ፀብፃብ መሰረት ብምግባር ኣብ ትሮይካ ሰለስቲኣዊ ጉጅለ ዝቐረበ ፀብፃብ ፀዲቑ

ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሃገራዊ ፀብፃብ መሰረት ብምግባር ኣብ ትሮይካ ሰለስቲኣዊ ጉጅለ ዝቐረበ ፀብፃብ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መበል ራብዓይ ኩለ መዳይ መድረኽ ገምጋም ሰብኣዊ መሰላት ዘቕረበቶ ሃገራዊ ፀብፃብ መሰረት ብምግባር ኣብ ትሮይካ ዝተዳለወ ሰለስቲኣዊ ጉጅለ ፀብፃብ ፀዲቑ።

ኢትዮጵያ ኣብ መበል ራብዓይ መድረኽ ኩለ መዳይ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት መበል 47 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ መበል ሳልሳይ ዙር መድረኽ ገምጋም ዝተውሃቡዋ መክረ ሓሳባት ኣብ ምትግባር ዘካየደቶ ተግባራት ዝጠመተ ፀብፃብ 3 ሕዳር 2017 ዓ.ም ምቕራባ ይዝከር።

ኣብ ስዊዘርላንድ ጄኒቫ ይካየድ ኣብ ዘሎ ኩለ መዳይ መድረኽ ገምጋም ሰብኣዊ መሰላት ብሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ፍትሒ በላይሁን ይርጋ ዝተመርሐ ልኡኽ ይሳተፍ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ኢትዮጵያ ዘካየደቶም ተግባራት ዝጠመተ ሃገራዊ ፀብፃብ ምቕራብ ጀሚራ።

ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሃገራዊ ፀብፃብ መሰረት ብምግባር ኣብ ትሮይካ ሰለስቲኣዊ ጉጅለ ዝቐረበ ፀብፃብ ፀዲቑ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ልዕሊ 115 ሃገራት ንኢትዮጵያ 316 ምኽረ ሓሳባት ዘቕረባ እንትኾና፥ እተን ሃገራት ቅድሚ 4 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ዝተቐበለቶም ምኽረ ሓሳባት ክተፍልጥ ኢያ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

 

Comments (0)
Add Comment