ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምህናፅ ንትገብሮ ፃዕሪ ሓገዞም ከምዝቕፅሉ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ትካላት ገሊፆም፡፡
ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌደራልን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን፣ ተወከልቲ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ትካላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ከተማ መቐለ ከተማ ስነ-ስርዓት መጀመሪ ስልጠና ተሃድሶን መሊስካ ምጥያሽን ነበር ዕጡቓት ተኻይዱ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪካ ሜጀር ጄኔራል ራዲና ስቴፈን÷ “ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ሰላም ንምፅናዕ ዝግበር ፃዕሪ ብፅቡቕ ኩነታት ይጓዓዝ ኣሎ” ኢሎም።
ብሕብረት ኣፍሪካ ኣቢሉ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተኻየዱ ስትራቴጂክ ናይ ኣፈፃፅማ መድረኽ ዘተታት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ከይዲ ሰላም ንምፅናዕ ወሳኒ ግደ እናተፃወተ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ዘላቐ ሰላም ንምህናፅ ንእትገብሮ ፃዕሪ ዓለም ለኸ መሓዙትን ውልቀ ትካላት ኣፍሪካን ዝገብሩዎ ጋዝ ከጣናኽሩ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ተወካሊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ተወካይ ሳሙኤል ገባይዴ ዶ÷ ዕጥቂ ምፍታሕን ስልጠና ተሃድሶ መሊስካ ምህናፅን ምጅማሩ ስምምዕነት ሰላም ዝሰመረ ምዃኑ የርኢ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ትውግኖ ስራሕ መሊስካ ምህናፅ ነበር ዕጡቓት ሓገዝ ንዝገበሩ ትካላት ውሕመ ምስጋና ብምቕራብ ኣብ ቀፃሊ እውን ሓገዞም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም።
ተወካሊት ሕብረት ኣውሮፓን ለገስቲ ሃገራትን ሶፊ ፍሮም-ኢመስበርገር ብግደአን÷ ነብር ዕጡቓት ዕጥቂ ብምፍታሕ ስልጠና ተሃድሶን ዳግመ ምጥያሽን ዝግበሩ ሓገዛት ሰላምን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ንምንባር ሃናፂ ግደ ከምዝህልዎ ገሊፀን።
ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምህናፅ ትርጉም ዘለዊ ስጉምቲ እናወሰደት ከምዝኾነት ዝሓበራ እተን ተወካሊት፤ ነዚ ድማ ትካላት ውሕመን ለገስቲ ሃገራትን ብሓባር እናሰርሓ ከምዝኾና ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡