ኢትዮጵያ ዘለዋ ዕዳ ወፃኢ ናብ 17 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ምንካይ ተኻኢሉ – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘለዋ ዕዳ ወፃኢ ናብ 17 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ምንካይ ተኻኢሉ  ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

መበል 36 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ስሩዕ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ኣብ ሕድ ሕድ ዓውዲ ልዑል ውፅኢት ምምዝጋቡ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ዘለዋ ዕዳ ወፃኢ ናብ 17 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ምንካይ ከምዝተኽኣለ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኣብ ዝግበር ልዑል ስራሕ ናብ ትሕቲ 10 ሚኢታዊ ንምውራድ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ምንም ዓይነት ኮሜርሺያል ልቓሕ ከምዘይተወሰደ ሓቢሮም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment