ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ጉጅለ ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ዘውፀኦ ፀብፃብ ውድቂ ገይራቶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ንኽምርምር ዝተሰየመ ዓለም ለኸ ጉጅለ ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ መበል 54 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰባኣዊ መሰል ዘቕረቦ ሪፖርት ኢትዮጵያ ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ።

ቀዋሚ ልኡኽ ኣምባሳደር ፌዴሪኢ ኣብ ስዊዘርላንድ ጄኔቫ ፀጋኣብ ክበበው ዝቐረበ ሪፖርት ስዒቡ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ እቲ ሪፖርት ኢትዮጵያ ዘይትቕበሎ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ንደሓር ኢትዮጵያ ሰላም ንምርግጋፅ ዘኽእል ፃዕራ ኣጠናኺ ከምዝቐፀለት ተዛሪቦም።

ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ንምፍታሕ ዘኽእል መገዲ ኣማራፂ ሰላም ብምኽታል እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ተሓታትነት ንምዕሳል እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።

ብወገን ኢትዮጵያ ብዙሓት ፃዕሪታት ይገበሩ እምበር እቲ ጉጅለ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣቢሉ ዝተኻየደ ከይዲ ሰላም ምዕሳል ሓዊሱ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ንምቕባል ድሌት ከምዘየርአየ ኣብሪሆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment