ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ጉባኤ ፋይናንስ ንልምዓት ንምትእንጋድ ዘኽእላ ስምምዕነት ከቲማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምዃን ዓለም ለኸ ጉባኤ ፋይናንስ ንልምዓት ንምትእንጋድ ዘኽእላ ስምምዕነት ከቲማ።

እቲ ጉባኤ ካብ 15 ክሳብ 19 ሓምለ 2016 ዓ.ም ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ስምምዕነት፥ ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ውሕመ ኣምባሳደር ተስፋዬ ይልማን ምክትል ዋና ፀሓፊ ጉዳያት ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ውሕመ ሊ ጁንዋን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ኣምባሳደር ተስፋዬ ይልማ፥ ኢትዮጵያ ነቲ ኣኼባ ምትእንጋዳ ኣሰራርሓ ውሕመ ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባርን ኩሉ መዳይ ምትሕብባራት ንክጠናኸሩን ዘለዋ ቁርፀኝነት ዘርእይ ኢዩ ተባሂሉ።

Comments (0)
Add Comment