ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰል ዘውፀኦ ሪፖርት ከምዘይትቕበሎ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ሰብኣዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ዘውፀኦ ሪፖርት ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ።

ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያ ስግኣት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ፅንተት ዓሌትን ኣሎ ብዝብል ዘውፀኦ መገለፂ ብምቅዋም ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዲሪኢ መግለፂ ኣውፂኡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብ መግለፂኡ÷ “ኮሚሽኑ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠሙ ጎንፂታት ዘሎ እዋናዊ ሰብኣዊ ኩነታ ብዝምልከት ኣብ ዘውፀኦ ሓላፍነት ዝጎደሎን መሰረተ ዘይብሉን ክሲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሐዚኑ ኢዩ” ኢሉ፡፡

ሪፖርት እቲ ኮሚሽን ትኽክለኛ ከይዲ ምርመራ ዘይተኸተለን ካብ ትኽክለኛ ፍልፍላት ዘይተወሰደ ከምኡ እውን ኣብ እዋናዊ ኩነታ ኢትዮጵያ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘይገልፅን ከምዝኾነ ፀሪሑ።

ኣብ ሰሜን ክፋል ዘጋጠመ ኲናት ንምቁራፅ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ከምዝተፈረመ ዘዘኻኸረ እቲ ሚኒስቴር÷ በዚ ድማ ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ድምፂ ጥይት ከይስማዕ ምግባር ከምዝተኸኣለ ገሊፁ፡፡

መንግስቲ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንኽኸውን ቆራፅ ከምዝኾነ ከምኡ እውን ግልፅነትን ተሓታትበትን ንምዕሳል ዘኽእል ተግባር እናሳለጠ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ቅድም ክብል ዝነበሩን ሕዚ እውን ዘለዉ ቅርታታት ንምፍታሕ ናብ ሰላም ንምምፃእ ብሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ኣቢሉ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣልዒሉ።

ከምኡ እውን ናይ ስግግር ፍትሒ ንምዕሳል ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ፡፡

እዚ ኣብ ዘለሉ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰል ውሕመ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ፈሺሉ ኢዩ ብዝብል ዝቐረበ ሓሳብ ተቐባልነት ዘይብሉ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment