ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ መትከል ስደተኛታት ብምቕባል ንስደተኛታት ደገፍ ትገብር ኣላ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ መትከል ስደተኛታት ብምቕባል ንስደተኛታት ደገፍ ትገብር ከምዘላ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኢዮብ ተካሊኝ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፥ ጎድኒ ንጎድኒ መበል ካልኣይ ፎረም ስደተኛታት ምስ ምክትል ሚኒስትር ምትሕብባር ንግዲ ወፃኢን ልምዓትን ኔዘርላንድስ ፓስካል ግሮተንሁይስን ዋና ፀሓፊ ፖሊሲ ልምዓት ዴንማርክ ሎተ ማቾንን ዘተዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ መትከል ስደተኛታት ብምቕባል ንስደተኛታት ደገፍ ትገብር ኣላ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝተግበረቶ ምምሕያሽ ኢኮኖሚን ዘመዝገበቶ ውፅኢትን ከምኡ ውን ሓበራዊ ምዕባለ ምርግጋፅ ብዛዕባ ዝከኣለሉ ኩነታት መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እተን ክልቲአን ሃገራት ዝፀንሐ ምትሕብባር ብምንኣድ፥ እቲ ዓለም ለኸ ፎረም ስደተኛታት ሰሪሖም ዝልወጥሉ ዕድል ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።

ፓስካል ግሮተንሁይስን ሎተ ማቾንን ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ሓለዋን መፍትሒ ኣብ ምሃብን ዘለዋ መሪሕነት ንኢዶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment