ኢትዮጵያ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ንዝጀመረቶ ፃዕሪ ከምእትድግፍ ጀርመን ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ምግብን ሕርሻን ጀርመን ቼም ኣዝደሚር ዘቲዮም።

ኣብ ዓውዲ ግብርና ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ከምኡውን ኣዋጅ ሓለዋ ደኒ ሕብረት ኣውሮፓ ዝጠመተ ዘተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)÷ ኢትዮጵያን ጀርመንን ዝፀንሐ ከልቲኣዊ ርክብ ከምዘለወን ገሊፆም።

ጀርመን ኣብ ዓውዲ ግብርና ንኢትዮጵያ ንዝገበረቶ ደገፍ ኣፍልጦ ሂቦም።

ሕብረት ኣውሮፓ ቡን ዝጠመተ ዘውፀኦ መምርሒ ስዒቡ ኢትዮጵያ ምስ ትካል ልምዓት ጀርመን (ጂ ኣይ ዜድ) ብምትሕብባር እቲ መምርሒ ተግባራዊ ንምግባር ስራሕ ከምዝጀመረት ሓቢሮም።

ቼም ኣዝደሚር ብግደኦም፥ ኣብ ዓውዲ ግብርና ኢትዮጵያ ምሕጋዝ ኣብ ዘኽእሉን ኣብ ክሊ ሕጊ ሕብረት ኣውሮፓ ብስፍሓት ምዝታዮም ገሊፆም።

ሃገሮም፥ ኢትዮጵያ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ንዝጀመረቶ ፃዕሪ ከምእትድግፍ ገሊፆም።

ብመራኦል ከድር

Comments (0)
Add Comment