ኢትዮጵያ ወናኒት ዘደንቕ ባህላዊ ክብሪታት ኢያ – ዶ/ር ሂሩት ካሳው

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ወናኒት ዘደንቕ ባህላዊ ክብሪታት ኢያ ክብላ ሓላፊት ቢሮ ባህሊ፣ ኪነ-ጥበባትን ቱሪዝምን ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ሂሩት ካሳው ገሊፀን።

እተን ሓላፊት ቢሮ ነዚ ዝበላ ፌስቲቫል በዓል ኢሬቻ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ኢዩ፡፡

ህዝቢታት ባህላዊ ክብሪታቶም ሓሊዮም ንምፅናሕ ዋጋ ከፊሎም ኢዮም ዝበላ እተን ሓላፊት፥ ኢሬቻ እውን ህዝቢ ኦሮሞ ንብዙሓት ዓመታት ሓሊዩ ኣፅኒሑ ኢዩ ኢለን።

ሓዱሽ ወለዶ ነዚ ክቕፅል ናይ ምግባር ሓላፍነት ከምዘለዎ እውን ኣተሓሳሲበን ።

ኢትዮጵያ ካብ ዝተረፈ ህዝቢ ዓለም ብዝበለፀ ናይ ኣደባባይ በዓላት ኣለዉዋ ዝበላ እተን ሓላፊት፥ እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ምትእስሳር ብምምፃእ ርኡይ ረብሓ ግደ ከምዘለዎ ኣብሪሀን።

ተኻፈልቲ እቲ ረብሓ ንምዃን ድማ ብዝበለፀ ምፍላጥን ዕዳጋ ቱሪዝም ተረባሒ ምግባር ከምዝግባእ እውን ኣገንዚበን፡፡

ዶክተር ሂሩት ኣብ መልእኽተን፥ ከም በዓል ኢሬቻ ዝበሉ ክቡራት ክብሪታት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንኽቕፅ ሓላፍነት ምውፃእ ይግባእ ኢለን።

ብኣፈወርቅ እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment