ኢትዮጵያ ካብ ዝተወሰና ሃገራት ኣንፀላሊዩዋ ዝነበረ ልዑል ፅዕንቶ ክትሓልፍ ዝኸኣለት ብኣፍሪካውያን ሓገዝ ኢዩ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ካብ ማሕበረሰብ ዓለምን ዝተወሰና ሃገራትን ኣንፀላሊዩዋ ዝነበረ ልዑል ፅዕንቶ ክትሓልፍ ዝኸኣለት ብኣፍሪካውያን ሓገዝ ኢዩ ከብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 40 ጉባኤ ቤት ምኽሪ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝተረኸቡ ኣይተ ደመቀ፥ ኣብቲ ጉባኤ ንዝሳተፉ ዘለዉ ሚኒስትራት ጉዳይ ወፃኢን ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብን ትማሊ ምሸት እንግዶት ድራር ገይረሙሎም።

ኣብቲ ስነስርዓት ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኢትዮጵያ ካብ ማሕበረሰብ ዓለምን ዝተወሰና ሃገራትን ኣንፀላሊዩዋ ዝነበረ ልዑል ፅዕንቶ ክትሓልፍ ዝኸኣለት ብኣፍሪካውያን ሓገዝ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝተፀወዐ ፍሉይ ጉባኤ ጄኔቫ ናይ ሓንቲ ሃገር ኣፍሪካ ድጋፍ ከምዘይረኸበ ብምግላፅ ኣፍሪካውያን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ደው ኢሎም ኢዮም ኢሎም።

ኢትዮጵያዊያን ብድምፆም መንግስቶም ምምራፆም ብምዝኽካር፥ እቲ ዝተመረፀ መንግስቲ ቅድመ ሐዚ ካብ ዝነበሩ ብዝተፈለየ ኣብ ውሽጢ ካቢኒይኡ ተቓወምቲ ምክታቱ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ስርአት ንምንጋስ ተኸታታሊ ስጉምቲታት ትወስድ ዘላ እንትትኮን፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ናይ ፖለቲካ ሰባት ከምዝፈትሐት ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ውሽጢ ፀገም ኮይና እውን ኢትዮጵያ ማሕበራዊት ኢኮኖሚያዊን ልምዓታት ንምርግጋፅ ፃዕሪ ትገብር ከምዘላ ገሊፆም።

ነዚ እውን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ከምኣብነት ረቚሖም።

ሓድነትን ምዕባለን ዘለዋ ኣፍሪካ ንምህናፅ ኩለን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ክተሓባበራ ከምዝግባእ ኣይተ ደመቀ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment