ኢትዮጵያ ካብ ዘዘመምበለትሉ ቅንዕ ትብለሉ እዋን ሕዚ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)”ኢትዮጵያ ካብ ዘዘመምበለትሉ ቅንዕ ትብለሉ እዋን ሕዚ ኢዩ” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ኣብ ነዊሕ ዘበን ምምሕዳር ኢትዮጵያ ግልፂን ተኣማኒን መረፃ ብምክያድ ናብዚ ዕለት ብምብፃሕና እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒሰትር ብተወሳኺ፥ ኣብ መረፃ ዝተመዝገበ ዓወት ኢትዮጵያ ብሓባር ዝተዓወተትሉ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

“ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ጉዕዙኡ ዝገጠሙዎ ማሕለኻታት መኹርኢ ብዝኾነ መገዲ ሓሊፉዎ ኢዩ” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ካብ ዘዘመምበለትሉ ቅንዕ ትብለሉ እዋን ሕዚ ከምዝኾነ ኣቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፉዎ መደረ ገሊፆም።

“ኣፍሪካውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ረብሓኣ ትሕሉ ኣህጉር ንኅትሕሉ ክንፅር ኢና” እውን ኢሎም፡፡

ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ኢትዮጵያ ከም ትማሊ ክብ ትብለሉ ከምዝኸውን ዝገለፁ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኢትዮጵያ ግኑን ስማ ኣብ ሰፊሕ ዓለም ክባፃሕ ትገብረሉ እዋን ከምዝኸውን እውን ኣፍሊጦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment