ኢትዮጵያ ካብ ዘላቶ ፀገም ቀልጢፋ ንክትወፅእ ደገፍ ዳያስፖራ ተጠናኺሩ ክቕፀል ኣለዎ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ካብ ዘላቶ ፀገም ቀልጢፋ ንክትወፅእ ደገፍ ዳያስፖራ ተጠናኺሩ ክቕፀል ኣለዎ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ እዋናዊ መግለፂ፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት በምድሃብ መቀመጢኦም ኣብ ኢትዮጵያ መስ ዝኾኑ ዓለም ለኸ ትጋላት ተወከልቲ መብርሂ ሂቦም ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ደገፍ ሰብኣዊ መሰል ምንም ዓይነት ቅድመ ኩነት ከይተቐመጠሉ ተጠናኺሩ ክኸይድ ይግባእ ክብሉ ሓቲቶም ኢሎም።

ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኦሊሰጉን ኦባሳጆ ናብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ምምፅኦምን ኣብ ሰላም፣ ሰብኣዊ ጉዳያትን ካልኦት ዛዕባታትን መብርሂ ከምዝተውሃቦምን እውን ተዛሪቦም።

የአምነስቲ ኢንተርናሽናል እና ሂውማን ራይትስ ወች ሪፖርት ለአንድ ወገን ያደላ እና አስፈላጊ መርሆዎችን የማያሟላ መሆኑን ገልጸው÷ መንግስት ግን ተፈጽመዋል የተባሉ ጥፋቶችን ለማጣራት ቁርጠኛ መሆኑን ነው የተናገሩት፡፡

መንግስቲ ግን ዝተብሃሉ ጥፍኣታት ንምፅራይ ቁርፀኛ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ካናዳ ምስ ዘለዉ ተወከልቲ ኣባላት ዳያስፖራ ልዝብ ምግባሩ ብምሕባር፥ ኢትዮጵያ ካብ ዘንፀላለውዋ ሕልኽላኽ ፀገማት ቀልጢፋ ንክትወፅእ ደገፍ ዳያስፖራ ተጠናኺሩ ክቕፀል ሓቲቶም።

ብወንደሰን ኣረጋኸኝ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment