ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም ካልአይቲ ብምዃን እቲ ሻምፒዮና ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ፔሩ ሊማ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ውድድር ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ትሕቲ 20 ዓመት ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም ካልአይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ።

ኣብቲ ውድድር÷ 6 ወርቂ፣ 2 ብሩርን 2 ነሓስን ብሓፈሻ 10 ሜዳሊያታት ብምእካብ ኢያ ዛዚማ።

ኣትሌት መዲና ኢሳ ብ5 ሺሕ ሜትሮ፣ ሲምቦ ዓለማየሁ ብ3 ሺህ ሜትሮ መሐንኩሎ፣ ጀነራል ብርሃኑ ብ800 ሜትሮ፣ ኣለሺኝ ባወቀ ብ3 ሺሕ ሜትሮ፣ ሳሮን በርሀ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮን ኣብዲሳ ፈይሳ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮን ዝተሳተፍሉ ውድድር ብፀብለልታ ብምዝዛም ሜዳሊያታት ወርቂ ኣምፂኦም።

ብተወሳኺ ኣትሌት መቅደስ ዓለምእሸትን ኣብዲሳ ፈይሳን ብ5 ሺሕ ሜትሮ ሜዳሊያ ብሩር ከምኡውን ኣትሌት ማርታ ዓለማየሁ ብ3 ሺሕ ሜትሮን ሃይሉ ኣያሌውን 3 ሺሕ ሜትሮ መሐንኩሎ ሜዳሊያ ነሓስን ንሃገሮም ኣምፂኦም።

134 ሃገራት ኣብቲ ውድድር ተሳቲፈን 34 ሃገራት ጥራሕ ኣብ ሰደቓ ሜዳሊያ ኣብ ዝኣተዋሉ ሻምፒዮና፥ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም ካልአይቲ ብምዃን እቲ ሻምፒዮና ዛዚማ።

Comments (0)
Add Comment