ኢትዮጵያ ካብ ተመፅዋቲት ስርናይ ናብ መቕረቢት ዕዳጋ ወፃኢ ተሰጋጊራ ኣላ – ሚኒስቴር ሕርሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ብኒሕን ቆራፅነትን ብምስራሓ ካብ ተመፅዋቲት ስርናይ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ናብ ምቕራብ ከምዝተሰጋገረት ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኢትዮጵያ በቢዓመቱ 17 ሚሊየን ኩንታል ስርናይ ካብ ወፃኢ ብምእታው ልዕሊ 700 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ ትገብረሉ ምዕራፍ ታሪኽ ከምዝተዓፀወ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ልምዓት ስርናይ ንኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋገረ ዓብዪ መገዲ ዓወት ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም፡፡

ወናት ብዝሃ-ህይወት ስርናይ ዝኾነት ኢትዮጵያ፥ ብፍርያት ስርናይ ንባዕላ ምኽኣል ኣቢዩዋ ንዘበናት ካብ ወፃኢ እናምፀአት ከምዝነበረት ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ልምዓት ስርናይ ዝተመዝገበ ዓወት፥ ኒሕን ቆራፅነትን ኣመራርሓ፣ ትካላት ምርምር ኣፍረይቲን ዘርአየ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ፍርያት ስርናይ ዓለም ዝመሰከረሉ ውፅኢት እንትተመዝግብ ካብ ኣመራርሓን ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲን ሓሊፉ ተሳትፎ ሓረስቶት ርኡይ ተሳትፎ ከምዝነበሮም ዶክተር ግርማ ኣመንቴ ገሊፆም፡፡

ሓረስቶት መንግስቲ ዘቕርበሎም ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ኣሚኑ ብምቕባል ብቐሊሉ ኣብ ረብሓ ናይ ምውዓል ድሌትን ተበግሶን ከምዝለዎ ምዕዛቦም እውን እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment