ኢትዮጵያ ካብ ስደት ተመለስቲ እግሪ ንምትካል ንእትገብሮ ፃዕሪ ከምዝድግፍ ኣይኦኤም ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ካብ ስደት ተመለስቲ እግሪ ንምትካል ንእትገብሮ ፃዕሪ ከምዝድግፍ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት(ኣይኦኤም)  ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ሑሪያ ዓሊን ቺፍ ኦፍ ሚሽን ኣብ ኢትዮጵያ ኣቢባቶው ዋኔን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዘቲየን።

ስሩዕ ዘይኮነ ስደት ንምክልኻል፣ ካብ ስደት ተመለስቲ እግሪ ንምትካልን ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ንምድጋፍን ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ዝጠመተ ዘተ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

እተን ሚኒስትር ዴኤታ፥ ስሩዕ ዘይኮነ ፍልሰት ንምክልኻልን ካብ ስደት ተመለስቲ እግሪ ንምትካልን መንግስቲ ፍሉይ ጠመተ ብምሃብ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪበን።

ኣቢባቶው ዋኔ ብግደአን፥ ኢትዮጵያ ካብ ስደት ተመለስቲ እግሪ ንምትካል ንእትገብሮ ፃዕሪ ከምዝድግፍ ኣይኦኤም ገሊፀን።

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment