ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ቅድሚ ምጅማራ ሓበሬታታት ንምልውዋጥ  ሱዳንን ግብፅን ተወከልቲ ንክስይማ ኣንጊዳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ  ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ቅድሚ ምጅማሩ ሓበሬታታት ንምልውዋጥ  ሱዳንን ግብፅን ተወከልቲ ንክስይማ ኣንጊዶም።

ንሚኒስትራት ማይ እተን ሃገራት ብወግዒ ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ ከምዝበልዎ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ክራማት ምስ እትጅምሮ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ብዝተተሓሓዘ ሓበሬታታት ንምልውውጥ እተን ሃገራት ተወከልቲ ንክስይማ ኢዩ እቲ እንግዶት።

እቲ እንግዶት፥ ብመሰረት ካብ ሰለስቲአን ሃገራት ብዝተውፃእፀአ ገለልተኛ ጉጅለ ሰብ ሞያ ኣብ ዝተዳለወ ሰሌዳ ግዜ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ዝተገበረ ስምምዕ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብን እዋን ክራማትን ከምዝተቓረቡ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ተግባራዊን ኣድለይቲን ጉዳያት ብምትሕብባር ምስራሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ምስያም እቶም ተወከልቲ ቅኑዕ ሓበሬታ ንምልውዋጥ ካብ ምሕጋዙ ንላዕሊ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣቢሉ ንዝግበር ሽምግልና ንዝካየድ ድርድር ምትእምማን ንምፍጣር ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment