ኢትዮጵያ ከምልሙድ ዓለም ለኻዊ ጉባኤታት ብዓወት ናይ ምትእንጋድ ልምዳ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ከምልሙድ ዓለም ለኻዊ ጉባኤታት ብዓወት ናይ ምትእንጋድ ልምዳ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ መበል 17 ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ ኢንተርኔት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ከምዘሎ ገሊፁ።

ኣብቲ ጉባኤ ተወከልቲ ሓያሎ ሃገራት ከምዝሳተፉ በምግላፅ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዱ ንህንፀት እወንታዊ ፅባቐ ኢትዮጵያ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ ኢሉ።

እቲ ጉባኤ ብልዑል ስራሕቲ ዲፕሎማሲን ብሱል ኣመራርሓ መንግስቲን ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ምኽኣሉ ገሊፁ።

ኢትዮጵያ ከምልሙድ ዓለም ለኻዊ ጉባኤታት ብዓወት ናይ ምትእንጋድ ልምዳ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ድማ ኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment