ኢትዮጵያ እትሳተፈሎም 4 ውድድራት ፍፃመ ሻምፒዮና ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ሎሚ ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፔሩ ሊማ ይካየድ ኣብ ዘሎ ሻምፒዮና ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት፥ ኢትዮጵያ እትሳተፈሎም 4 ውድድራት ፍፃመ ክካየዱ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ኣትሌት ህይወት ኣምባውን ኣትሌት ብርሃን ሙሉን ዝሳተፋሉ ውድድር ስጉሚ 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ምሸት ሰዓት 12፡25 ክካየድ ኢዩ።

ብደቂ ተባዕቲዮ 800 ሜትሮ ድማ ኣትሌት ጀነራልብርሃኑ ንኢትዮጵያ ብምውካል ለይቲ ሰዓት 6፡35 ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ብደቂ ኣኒስቲዮ 800 ሜትሮ ኣትሌት ኣስቴር ኣሬሪ ለይቲ ሰዓት 6፡50 ኣብቲ ውድድር ከምትሳተፍ ኣብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ለይቲ ሰዓት 7፡45 ድማ ኣትሌት ኣለሽኝ ባወቀን ኣትሌት ማርታ ኣለማየሁን ብ 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ክወዳደራ ኢየን።

 

Comments (0)
Add Comment