ኢትዮጵያ ኣጀንዳታት ስምምዕነት ፍልሰት ኣብ ፖሊሲታት ተኻቲቶም ንኽፍፀሙ እናገበረት ምዃና ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣጀንዳታት ዓለም ለኸ ስምምዕነት ፍልሰት ኣብ ዝተፈላለዩ ፖሊሲታት ልምዓትን ትልሚታትን ተኻቲቶም ንኽፍፀሙ እናገበረት ምዃና ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ዓለም ለኸ ስምምዕነት ፍልሰት ኣህጉራዊ ኣኼባ ብአተሓባባራይነት ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውሕመን ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ከምዝገለፁዎ፤ ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2018 ዝፀደቐ ዓለም ለኸ ስምምዕነት ፍልሰት ኣብ ምትግባር ትርከብ።

ካብ 20 ኣጀንዳታት እቲ ስምምዕነት ነቶም 10 ቅድሚት ከምዝሃበት ብምሕባር፤ ኣጀንዳታት ኣብ ዝተላለዩ ፖሊሲታትን ትልሚታትን ልምዓት ተኻቶም ተፈፃሚ ፃኾኑ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

በዚ ድማ ስሩዕ ዘይኮነ ፍልሰት ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ከምኡ እውን ስሩዕ ፍልሰት ብምስፋሕ ፍልሰት የሚገኘውን ጥቅም አሟጦ በመጠቀም ረገድ የተሻለ አፈጻጸም ማስመዝገቧን ገልጸዋል።

ኣብ ብሄራዊ ጥምረት ምትሕብባር ፍልሰት ኣቢሉ እቲ ስምምዕነት ሃገር ለኸ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ኣብ 2020 ንውሕመ ከምዘቕረበት ብምዝኽኻር፤ በቢእዋኑ ብዝግበሩ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ንቑሕ ተሳትፎ እናገበረት ፀኒሓ ኢያ ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment