ኢትዮጵያ ኣብ 2050 ዓ.ም.ፈ መጠን ምስዳድ “በካሊ” ጋዝ ናብ ባዶ ንምውራድ ትልሚ ብምውፃእ ትሰርሕ ኣላ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ 2050 ዓ.ም.ፈ መጠን ምስዳድ “በካሊ” ጋዝ ናብ ባዶ ንምውራድ ትልሚ ነዊሕ እዋን ብምውፃእ ትሰርሕ ኣላ ከብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ዝበሉ ኣብ ግብፂ ሻርም ኤል ሼክ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ለኸ ጉባኤ ለውጢ ክሌማ ኢዩ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ 25 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተኸለት ኣዘኻኺሮም።

እዚ ድማ ሓደ ዜጋ 250 ፈልሲ ምትካሉ ሓቢሮም።

ብሰንኪ ለውጢ ክሌማ ምብራኽ ኣፍሪካ ብተደጋጋሚ ደርቂን ውሑጅን ምጥቅዑ ብምግላፅ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ስግኣት ከመዘኾነት ገሊፆም።

ፈተናታት ናብ ዕድል ምቕያር ክኢልና ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ዓቕሚ ፀዋርነት ህዝቢ ክብ ምባልን ድሕንነት ሃፍቲ ተፈጥሮ ምሕላውን ምኽኣሉ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ዘላቒ፣ ብኹሉ ተበፃሒ ዝኾነን ሕሱር ተሓዳሲ ሓይሊ ንዜጋታታን ነቲ ዞባን ንምብፃሕ ትሰርሕ ኣላ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብምግቢ ዓርሳ ንምኽኣልን ናብ ሓምለዋይ ልምዓት ንምስግጋርን፥ ብደኒ ምልባስ፣ ብመርሃ ገብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ለውጢ ክሌማ ብምክልኻል ቅልጡፍ ለውጢ ምርኣያ ሓቢሮም።

ትልሚ ዕብየትን ልምዓትን 10 ዓመት ለውጢ ክሌማ ዝከላኸል ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ብምህናፅ ዝተደረኸ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment