ኢትዮጵያ ኣብ 2029 ፅዋዕ ኣፍሪካ ናይ ምስንዳእ ዓቒሚ ኣለዋ – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር )

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ 2029 ዝካየድ ፅዋዕ ኣፍሪካ ናይ ምስንዳእ ዓቕሚ ኣለዋ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር አቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንፕሬዚዳንታት ፊፋን ካፍን ላዕለዎት ኣመራርሓ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ካፍን ኣብ ዓብዪ ቤተ-መንግስቲ እንግዶት ድራር ገይሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2029 ንኽተሰናድእ ብዕሊ ሓቲቶም።

ፕሬዚዳንት ካፍ ፓትሪስ ሙትሴፔ ብግደኦም÷ ብኢትዮጵያ ንዝተገበረሎም ድሙቕ ኣቀባብላ ምስጋና ብምቕራብ፤ “ባህሊ፣ ክብሪን ጋሻ ተቐባልነትን ኢትዮጵያውያን ኢትዮጵያ ገዛና ከምዝኾነት ክስመዐና ገይሩ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2029 ንምስንዳእ ዘቕረበቶ ሕቶ ካፍ ምስ ኮሚቴኡ ከምዝዝትየሉ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ÷ ዘርኢ ወዲ ሰብ ዝተረኸበላ ኢትዮጵያ፤ “ናትና እውን ሃገር ኢያ” ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ቀቅላይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ንክልቲኦም ፕሬዚዳንታት ናይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ማሊያ ብህያብ ኣበርኪቶም፡፡

ብተመሳሳሊ ፕሬዚዳንት ካፍ 2029 ዝብል ፊርማኦም ዘዕረፉሉ ኩዕሾ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣበርኪቶም።

ብፍሬህይወት ሰፊው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment