ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃላቒ ዘይቲ ብልዒ ኢትዮጵያ ብሃገር በቆል ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ንምሽፋን ዝግበር ፃዕሪ ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ኣድሂቡ ልዝብ ተሳሊጡ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ መላኩ ኣለበልን ሚኒስትር ሕርሻ ኣይተ ዑመር ሑሴንን ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ሃገር በቆል ኢንዱስትሪታት ኣፍረይቲ ዘይቲ ብልዒን ተረኺቦም፡፡
ኣይተ መላኩ ኣለበል፥ኣብ ስራሕቲ ምምሕያሽ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዘሪቦም፡፡
ካብ ሞንጎ እዚ ድማ ሃላቒ ምግቢ ብዓቕሚ ውሽጢ ሃገር ናይ ምትካእ ትልሚ ሓደ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ፅዕንቶ ናብራ ዜጋታት ብምንካይ ናህሪ ዕዳጋ ከቃል ከምዝኽእል ኣብሪሆም።
ኢትዮጵያ ኣብ 2014 ዓ.ም 906 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ሃላቒ ዘይቲ ብልዒ ክህልዋ ኢዩ ዝብል ትፅት ከምዘሎ እውን ኣይተ መላኩ ገሊፆም።
እቲ ድሌት ንምምላእ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ኢንዱስትሪታት 1 ነጥቢ 25 ቢሊየን ሜትሪክ ቶን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘዕበዩ ተዛሪቦም።
ይኹን እምበር እቶም ኢንዱስትሪታት ብዘለዉዎም ብዙሓት ማሕለኻታት ብሙሉእ ዓቕሞም እናሰርሑ ከምዘይኮኑ ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ 232 ኢንዱስትሪታት ዘይቲ ብልዒ ዝርከቡ እንትኾኑ፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 26 ዝኣኽሉ ማእኸላይን ላዕለዎትን፣ 206 ዝኾኑ ድማ ኣናእሽተይ ኢንዱስትሪታት ኢዮም።
ብኣፈወርቅ እያዩን ትዝታ ደሳለኝን
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።