ኢትዮጵያ ኣብ ፓሪስ ኦሊምፒክ ናይ መጀመሪያ ወርቂ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ታምራት ቶላ ኣብ ውድድር ማራቶን ፓሪስ ኦሊምፒክ 2024 ቀዳማይ ብምውፃእ መዳሊያ ወርቂ ተዓዊቱ።
ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ፓሪስ ኦሊምፒክ ናይ መጀመሪያ ወርቂ ረኺባ።
ኣብቲ ውድድር ንኢትዮጵያ ብምውካል፥ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ፣ ታምራት ቶላን ደሬሳ ገሌታን ትዳዲሮም።
ብመሰረት እዚ ታምራት ቶላ ነቲ ርሕቐት ብ2 ሰዓት 6 ደቒቓን 26 ሰከንድን ብምእታው ቀዳማይ ኮይኑ ዛዚሙ።
ታምራት ቶላ ቅድመ ሐዚ ተታሒዙ ንዝነበረ ክብረ ወሰን ብ6 ሰከንድ ኣመሓይሹ።
ኣትሌት ደሬሳ ገለታ ድማ ሓምሻይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment