ኢትዮጵያ ኣብ ፀፅታን ድሕንነትን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣተኣማማኒ ትካል ሃኒፃ ኢያ-ሚኒስትራት ምክልኻል ኣፍሪካን ወተሃደራዊ ኣታሼን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ፀፅታን ድሕንነትን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣተኣማማኒ ትካል ሃኒፃ ኢያ ክብሉ ሚኒስትራት ምክልኻል ኣፍሪካን ወተሃደራዊ ኣታሼን ገሊፆም።

ብምትሕብባር ኢትዮጵያ ዝተሰናድአ ጉባኤ ሚኒስትራት ምክልኻል ኣፍሪካ “ኣፍሪካ ብጠንካራ ሓድነት፣ ንኩለ መዳያዊ ፀፅታን ሰላምን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

እቶም ሚኒስትራትን ኣታሼታትን ጎድኒ ንጎድኒ እቲ ጉባኤ ኣብ ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ዑደት ኣሳሊጦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ቢሸፍቱ ኣብ ዝርከብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኮርፖሬሽን ኢንዱስትሪ ምክልኻልን ተዓዚቦም።

ብተወሳኺ ምምሕዳር መረብ ድሕንነት ኢንፎርሜሽን፣ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀነስ፣ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያን ኣገለግሎት ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ጎብኒዮም።

እቶም ዑደተኛታት፥ ህንፀት ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ዝነኣድን መርኣያ ዝኸውንን ኢዩ ኢሎም።

ብፍላይ ብሳይበር ድሕንነት፣ ፋይናንስ ድሕንነት፣ መሰረተ ልምዓትን ካልኦት ዓውዲታትን ዝሓሸ ቴክኖሎጂን ብቑዕ ሰብ ሞያን ከምዘለውዎ ተገንዚብና ኢና ኢሎም።

ዓውዲታት ጥዕና፣ ግብርና፣ ፀፅታን ድሕንነትን፣ ሊጂስቲክሰ፣ ልምዓት ከተማን ኢትዮጵያ ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንምድጋፍ ዝተጀመረ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብድምሩ ኣብ ዝሃብዊ ረእይቶ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ፀፅታን ድሕንነትን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣተኣማማኒ ትካል ሃኒፃ ኢያ ኢሎም።

 

 

Comments (0)
Add Comment