ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ብሪክስ ንክትሳተፍ ካብ ቻይና እንግዶት ቀሪቡላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ወርሒ ሰነ ኣብ ቻይና ኣብ ዝካየድ  ጉባኤ ብሪክስ ንክትሳተፍ እንግዶት ቀሪቡላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ጉባኤ ንክሳተፉ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ከምዝኣንገድዎም ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣኦ ዢዩአን ኣፍሊጦም።

ኣባል ሃገራት ብሪክስ፥ ብራዚል ፣ ሩሲያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪካን እንትኾና እተን ሃገራት በጥምረት ክሳብ  2050 ዓ.ም.ፈ. ዓለም ለኸ ኢኮኖሚ ንምቁፅፃር ተሊመን ይሰርሓ ኣለዋ።

ኣብቲ ጉባኤ፥ ኣብ ኣፈፃፅማ ሸቶታት ዘላቂ ልምዓትን ፖለቲካዊ ኩነታት እተን ሃገራተን ከምኡወን እዋናዊ ዓለም ለኻዊ ኩነታት ትኹረት ብምግባር ክዝተየሉ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment