ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ሚኒስትራት ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ መበል ታሽዓይ ጉባኤ ሚኒስትራት ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካ ይሳተፍ ኣሎ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ መፃኢ እዋን ብሓባር ምስራሕ ዝደሊ ብምዃኑ ቻይና ምስ ኣፍሪካ ዝሓሻ ሽርክና ትብህግ ኢሎም።
ርክብ ደቡብ-ደቡብ ንምጥንኻር ኢሉውን ለምዓትን ምዕባለን ንምስግጋር ቻይና ከምእትሰርሕ ኣረጋጊፆም።
ሐዚ ብሓባር ሓዱሽ ታሪክ ንክንፅሕፍ መትሕብባር ይግበአና ክብሉ ኣገንዚቦም።
ኣብቲ ጉባኤ ርክብን ዝምድናን ቻይና-ኣፍሪካ በዝበለፀ ክብ ዘብሉ ዛዕባታት ክዝተየሎም ኢዩ ዘብል ትፅቢት ኣሎ።
ብኣፈወርቅ እያዩ
Comments (0)
Add Comment