ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ድሬዳዋ ትምስርቶ ዘላ ቅድመ- ምዕራፍ ናፃ ዞባ ንግዲ ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ከምዝርከብ ሚኒስትር ሎጂስቲክስን ትራንስፖርትን ወይዘሮ ዳግማዊ ሞገስ ገሊፀን፡፡
ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ÷ ቅድመ ምዕራፍ ናፃ ዞባ ንግዲ ዕዉት ንምግባር እናሰርሐ ምስ ዝርከብ ጉጅለ መፅናዕቲን ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ኣብ ምስረታ ናፃ ዞባዊ ንግዲ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ኣድሂበን ዘትየን፡፡
መራሕቲ ጉጅለ መፅናዕቲን መተሓባባሪ ቤት ፅሕፈት ትራንስፎርሜሽን ሎጂስቲክስን ኣይተ እውነቱ ታዩ÷ ኣብ ውሽጢ ፓርክ ኢንዱስትሪ ድሬዳዋ ዘይተተሓዙ 90 ሚኢታዊት ንመኻንን ንመቀነባበሪ ኤክስፖርት ግልጋሎት ዝውዕሉ ሼዳት ድልዋት ከምዝኾኑን ኣብቲ ዞባ ደረቕ ዶብ ኣብ እኹል ምድላው ከምዝኾነን መሰረተ ልምዓታት እውን እናተማልአ ከምዝርከብን ኣብሪሀን፡፡
ዞባዊ ናፃ ንግዲ ናይ ሎጂስቲክ ተወዳዳሪነትን ትርጉም ብዘለዎ መልክዑ ናይ ምምዕባል ዓቕሚ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣብቲ ዝተተለመሎም እዋን ንቲ ናፃ ዞባ ንግዲ ንምጥያሽ ዘኽእሉ ከምዝኾኑ ገሊፀን፡፡
ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ÷ ኣብ ድሬዳዋ ኣብ ዝተዘርግሑ ናይ ባቡር፤ መሰረተ ልምዓታት፤ ፓርክታት ኢንዱስትሪን ደረቕ ወደባትን ምኽንያት ምችው ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ጉጅለ መፅናዕቲ ብምልከታን ምዘናን ዝበፅሐሉ ብርኪ ነቲ ናፃ ዞባዊ ንግዲ ንምምስራት ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዎ ሓቢረን፡፡
መንግስቲ እቲ ትልሚ ዕዉት ንምግባር ብልዑል ሓይሊ ሓገዝ ከምዝገበረን እቲ ሓገዝ ክቕፅለሉ ከምዝግባእን ኣረጋጊፀን፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com