ኢትዮጵያ ኣብ ዱባይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓለም ለኸ ጉባኤ ፖሊስ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ “ድሕንነቱ ንዝተሓለወ ፅባሕ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሓይሊ ፖሊስ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዱባይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓለም ለኸ ጉባኤ ፖሊስ ትሳተፍ ኣላ።

ብኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል ተመርሐ ልኡኽ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 5 ክሳብ መጋቢት 2024 ኣብ ዱባይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ንኢትዮጵያ ብምውካል እናተሳተፈ ይርከብ፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ቦታ እንትበፅሕ÷ ብቤት ፅሕፈት ቆንሰላ ጀነራል ፌዲሪኢ ኣብ ዱባይን ሰሜን ኤምሬታትን ኤምባሲ ኣቡዳቢ ፌዲሪኢም ኣቀባብላ ተገይሩሊ።

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ÷ ምስ ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ዱባይ ሌተና ጀነራል ኣብዱላህ ከሊፋ ኣል ማሪ ብሓባር ብዛዕባ ዝስረሐሎም ጉዳያ ጎናዊ ዘተ ኣካይዶም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment