ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ኢንዱስትሪታት መዋእለ ንዋይ ንምፍሳስ ንዝደልዩ ኩሎም ምቹው ኩነታ እናፈጠረት ከምትርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣጃይ ባንጋ ብምዃን ኣብ ውሽጢ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣብ ከይዲ ምፍራይ ዝርከቡ ኢንዱስትሪታት ተዓዚቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ “ኢትዮጵያ ንብዙሓት ኣሽሓት ዜጋታት ቀዋሚን ግዚያዊን ዕድል ስራሕ ዘምፅኡ 13 ፓርክታ ኢንዱስትሪ ብምህናፅ ናብ ስራሕ አእቲያ” ኢሎም።
ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ተሃኒፆም ኣብ ስራሕ ከምዝርከቡ እውን ኣብሪሆም።
ኢትዮጵያ ዓብዪ ዓቕሚ ዘለዋ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነትስ ኣብ ዝተፈላለዩ ኢንዱስትሪታት መዋእለ ንዋይ ምፍሳስ ንዝደልዩ ኩሎም ምቹው ኩነታ እናፈጠረት ከምትርከብ እውን ገሊፆም።
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ እዚ ተተሓሒዙ÷ ኢንዱስትሪታት ማኑፋክቸሪንግ ምዕባይ ቀንዲ ኣካል ዛዕባ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ገሊፁ።