ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል 10 ዓመት ሰለስተ ሳትላይታት ከምተሕምብብ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል 10 ዓመት ንዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ዝውዕላ ሰለስተ ሳትላይታት ከምተሕምብብ ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ኣይተ ኣብዲሳ ይልማ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ዝቕፅል 10 ዓመት ሰለስተ ሳትላይታት ንሕምባብ ተሓሲቡ ኣሎ።

እተን ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ዝሕምበባ ሳትላይታት፥ እታ ሓንቲ ንግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽንን ብርድካስቲንግን ትውዕል ከምዝኾነትን እተን ክልተ ድማ ሳትላይታት ምልከታ መሬት ኢየን።

ከም ኣገላልፃ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ሳትላይት ኮሙዩኒኬሽንን ብሮድካስትን ዝበሃል ኣብ ብሮድካስት ሚዲያታት ግልጋሎት ኢንተርኔት፣ ስልኪን ኮሙዩኒኬሽንን ዝውዕል ኢዩ።

ኢትዮጵያ እዞም ኣገልግሎታት ካብ ወፃኢ ብምክራይ ሚሊየን ዶላር ዝግመት ሸርፊ ልዑል ወፃኢ ብምውፃእ እናተገልገለት ትርከብ።

ንብሮድካስት ኣብ ዓመት ክሳብ 10 ሚሊየን ዶላር፣ ንቴሌ ኮሙዩኒኬሽን እውን ብዙሕ ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢ ከምዝግበር ኤፕኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment