ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ስግኣት ክሌማዊ ለውጢ ንምምካትን ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅን ኣብ ዝሕደስ ሓይሊ ተካይዶ ልምዓት ጀርመን ሓገዝ ንምግባ ድልውቲ ከምዝኾነት ገሊፃ።
ኣብ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ፍልይቲ ልእኽቲ ትግበራ ዓለም ለኸ ክሌመማዊ ለውጢ ጄኒፈር ሊ ሞርጋን ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበረኦ ፃንሒት ከምዝሓበረኦ÷ ኢትዮጵያ ክሌማዊ ለውጢ ንምግታእን ካብ ብኽለት ኣየር ዝነፅሀ ቁጠባዊ ሃፍቲ ንምህናፅን ትገብሮ ፃዕሪ ጀርመን ሓገዝ ምግባራ ክትቅፅል ኢያ፡፡
ንክሎማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዝግበረ ፃዕሪ ሓገዝ እናገበረት ትርከብ ጀርመን÷ ትገብሮ ሓገዝ ብሰለስተ ሚኢታዊ ከምተዕብዮ እውን ኣብሪሀን።
ኢትዮጵያ ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ብምሕላው ንምልማዕ ትገብሮ ፃዕሪ ሃገረን ሓገዝ ከምትገብር ጄኒፈር ሊ ሞርጋን ኣረጋጊፀን።
ኣብ ዓውዲ ሕርሻ እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዲ ብምክፋል፣ ብገንዘብን ዘበናዊ መሳርሒታት ሕርሻ ብምቕራብን ከምትድግፍ እውን ገሊፀን፡፡
ኢትዮጵያን ጀርመንን ኣብ ዓውዲ ሓይሊ ዘለወን ማዕቐፍ ምትሕብባር ዓለም ለኻዊ ዝኾነ ስግግር ካብ ብኽለት ኣየር ዝነፅሀ ቀረብ ሓይሊ ከምዘቀላጥፍ ኣመልኪተን።
ብዮናታን ዮሴፍ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com