ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ኢነርጂን ኣቪዬሽንን ምትሕብባር ንኽህሉ ብዕቱብ እናሰርሐት ምዃና ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ኢነርጂን ኣቪዬሽንን ምትሕብባር ንኽህሉ ብዕቱብ እናሰርሐት ምዃና ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ፡፡

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም (ዶ/ር) ኣብ እዋናዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም፡፡

ኣብ መግለፂኦም ድማ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዞባ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ኢነርጂን ኣቪዬሽንን ምትሕብባር ንኽህሉ ብዕቱብ እናሰርሐት ምዃና ተዛሪቦም፡፡

“ኣብቶም ዓውዲታት መሰል ስራሕቲ ንምውጋን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ዓቕሚ” ኣለዋ ኢሎም እቶም ኣቐባሊ ቃል፡፡

ኢትዮጵያ ወናኒት ብዙሓት ሩባታት ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር÷ ሓይሊ ንፋስን ሓይሊ ፀሓይን ንምፍልፋል ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዋ እውን ኣልዒሎም፡፡

ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ እንትዛዘም ጎረባብቲ ሃገራት ዘለወን ፀገም ቀረብ ሓይሊ ከምዝፈትሕ እውን ኣብሪሆም፡፡

ምስ ኬንያ ን25 ዓመት ዕድጊት ኤሌክትሪክ ስምምዕነት ከምዝተፈረመ ብምግላፅ ምስ ካልኦት ሃገራት እውን ብሓባር እናተሰርሐ ምዃኑ ፀሪሖም፡፡

ንታንዛኒያ 400 ኪሎ ቮልት መሸጣ ኤሌክትሪክ ንምቕራብ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ዝገለፁ ኣምባሳደር መለስ÷ ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክሰርሓ ዝደልያ ሃገራት ከምዘለዋ እውን ተዛሪቦም፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment