ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ እናመዝገበቶ ትርከብ ውፅኢት ንኣፍሪካ ኣብነት ከምዝኸውን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ እናመዝገበቶ ትርከብ ውፅኢት ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ኣብነት ከምዝኸውን ተሳተፍቲ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ገሊፆም።

ብምግቢ ርእስኻ ምኽኣል ሉኣላዊነት ንምሕላው ቁልፊ ጉዳይ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ኢንስቲትዩት ብራዚል-ኣፍሪካ ጃኦ ቦስኮ ሞንቴ (ፕ/ር) ኣብሪሆም፡፡

“በዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዘመዝገበቶ ዓወት ንኣፍሪካውያን ተበግሶ ዝፈጥር ኢዩ” ኢሎም።

ዓለም ለኸ ፅዕንቶታት ንምምካት ብምግቢ ርእስኻ ምኽኣል ወሳኒ ከምዝኾነ ብምፅራሕ÷ እዚ ጉዳይ ድማ ቀዳማይ ፃዕሪ ኣፍሪካውያን ክኸውን ከምዝግባእ ኣመልኪቶም፡፡

ኢንስቲትዩት ብራዚል-ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ፣ ብስግግር ቴክኖሎጂን ካልኦት ዓውዲታትን ምስ ኢትዮጵያ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ኣብ ቀፃሊ ድማ ዘፈር ሕርሻ ንምዝማን ምሕዝነቱ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡

በዓል ሞያ ኩባኒያ መፋለጢ ሕርሻ ብራዚል ኣሌክሳንደር ትራቦልድ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያት ስርናይ ዘመዝገበቶ ውፅኢት ንሃገራት ኣፍሪካ ብርእሰ ዓቕሚ ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ ከምዝከኣል ብተግባር ዘርአየን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ እውም ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

ብመራኦል ከድር

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment