ኢትዮጵያ ኣብ ዓውደ ርእይ ኣይ ኤም ኤክስ ፍራንክፈርት 2022 ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓውደ ርእይ ኣይ ኤም ኤክስ ፍራንክፈርት 2022 ትሳተፍ ኣላ።

ብሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኮንቬንሽን ቢሮ ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ንምፍላጥን ምትእስሳር ንምፍጣርን ጀርመን ፍራንክፈርት ኣቲዩ።

ዓውዲ ቱሪዝም ዕዉት ንምግባር ሚኒስቴር ቱሪዝም መዳርግቲ ኣካላት ቱሪዝም ዝኾኑ ናይ ውልቀ ኩነት ኣካቢን ኤግዚብሽን ኣሰናዳእትን፣ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ፎር ኣፍሪካ፣ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ፍሉጣት በዓል ኮኾብ ሆቴላትን ብምትሕብባር ኮንቬንሽን ቢሮ ኢትዮጵያን ማይስ ኢትዮጵያ ብራንድን ብብርኪ ዓለም የፋልጡ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ኣይ ኤም ኤክስ ፍርንክፈርት 2022 ንተዋሳእቲን መዳርግቲ ኣካላትን ኩነት ኢንዱስትሪ ምትእስሳር ስራሕን ዕውትነትን ብብርኪ ዓለም ብቐዳምነት ዝርቋሕ ዓውደ ረእይ ምዃኑ ተገሊፁ።

ናሲሴ ጫሊ ኣብ ፎረም ፖሊሲ ዝተሳተፋ እንትኾና፥ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ኣይ ሲ ሲ ኤ ተዛቲየን።

ብተወሳኺ ምስ ሚኒስትራትን ሓላፍቲ ስራሕን ቱሪዝም ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪካን ሩዋንዳንን  ምዝታየን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment