ኢትዮጵያ ኣብ ዓመታዊ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ኢንተርፖል ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣብ መበል 19 ዓመታዊ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ኢንተርፖል ይሳተፍ ኣሎ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝሳተፉ ዘለዉ ሓላፊ ብሔራዊ ኢንተርፖልን ዓለም ለኸ መምርሒ ትሕብብር ፒሊስን ረዳት ኮሚሽነር ደጀኔ በቀለ፥ ጎኒ ንጎኒ እቲ ኮንፈረንስ ምስ ኣተሓባበርቲ ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ኣገልግሎት ኢንተርፖል ዘቲዮም።

ኣብ ደረቕ ወደብ ሞጆ  ዘሎ ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ኣገልግሎት ኢንተርፖል ዘለሉ ኩነታትን ካልኦት ናብ ኢሚግሬሽን፣ ኤርፖርት፣ ጉሙሩክ፣  ሴኩሪቲ ዶብን ኣገልግሎት ኢንተርፖልን ናብ ትካላት ፖሊስ ክልላት ኣብ ምስፋሕ ኣብ ዳታ ቤዝ እቲ ትካል ዝርከቡ ሓበሬታታት ኣብ ዝጥቀሙሉ ኩነታት ምልዛቦም ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ምስቲ ትካል ዘለዎ ርክብ በዝበለፀ ንምጥንኻርን ዶብ ተሳገርቲ ገበናት ብሓባር ኣብ ምክልኻል፣ ምርመራ ፎረንሲክን ገበን ሳይበርን ኣጠናኺርካ ብዛዕባ ምቕፃል ዝምልከት ምዝታዮም ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment