ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ጉባኤ ማዕርነት ስርዓተ-ፆታን ልምዓት ደቂ ኣንስትዮን ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መበል 68 ዓለም ለኸ ጉባኤ ማዕርነት ስርዓተ-ፆታን ልምዓት ደቂ ኣንስትዮን ትሳተፍ ኣላ።

እቲ ጉባኤ÷ “ድኽነት ብምቕራፍ፣ ትካላት ብምጥንኻን ኣብ ስርዓተ ፆታ ፋይናንስ ብምድንፋዕ ዓወት ማዕርነት ስርዓተ ምቅልጣፍን ኩለን ደቂ ኣንስትዮን ጎራዙን ምብቃዕ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ኣብ ኒውዮርክ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስቴር ገንዘብን ዝተውፃእፀአ ልኡኽ ኣብቲ መድረኽ እናተሳተፈ ይርከብ፡፡

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ጉባኤ÷ ኣብ ዝተመረፁ ዛዕባታት ኣኼባ ከምኡ እውን ጎድናዊ ምይይጣት እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ብመሰረት እዚ “ንማዕርነት ፆታ ሃፍቲ ምትእኽኻብ፣ ደቂ ኣንስትዮን ጎራዙን ምብቃዕ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ምኽክር ሚኒስትራት ተሳቲፎም፡፡

ፀብፃ ሃገራት ኣብ ዝቐርበሉ ዋና ፕሮግራም ብምርካብ ፀብብ ኢትዮጵያ ብዕዉት ኩነታት ምቕራብ ከምዝተኽኣለ እውን ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment