ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብ ቻይና ቲያንጂን ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዓለም ለኸ ጉባኤ ልምዓት ትምህርቲ ሙያን ቴክኒክን ይሳተፋ ኣለዋ።
ወ/ሮ ሙፈሪሃት፥ ብዙሓት መናእሰይ ዝወነነት ኢትዮጵያ ለምዓት ሓይሊ ሰብ ቀንዲ ጠመተኣ ብምግባር ትሰርሕ ከምዘላ ዛብቲ መድረኽ ኣብ ዘቕረብኡ መደረ ተዛሪበን።
ኩለ መዳያዊ ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅን ልምዓት ሓይሊ ሰብ ዝመርሖ ኢኮኖሚ ንምዝርጋሕን ይስራሕ ከምዘሎ እውን ገሊፀን።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ምስ ፈጠራ ዕድል ስራሕ በምዝማድ ስለዝተሰርሐ ጭቡጥ ውፅኢት ምምፅኡ ሓቢረን።
ሃገራት ኣብ ዝሳተፋሉ ዘለዋ ስእነት ዕድል ስራሕ ንምፍታሕ ሓበራዊ ስራሕ ከምዘድሊ እውን ኣፅንኦት ምሃበን ተገሊፁ።
ብኣፈወርቅ እያዩ